መእተዊ

ናይ ስሎቪን ናይ ዑቕባ ኣዋጅ ክልተ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣለዎ፡ (ናይ ዘልኣለም መንበሪ ፍቓድን) ግዚያዊ ናይ ዑቕባ ሓገዝ (ግዚያዊ መንበሪ ፍቓድ)።

ኣህጉራዊ ዑቕባ ዝተዋህቦም ውልቀ ሰባት ከምድላዮም ስራሕ ንክሰርሑ ይፍቀዶም ኢዮ፣ ዝተፈለየ ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣየድልዮምን። ኣህጉራዊ ዑቕባ ዘለዎም ውልቀ ሰባት፣ ውሳኔ እንድህሪ ደንጉዮዎምን ንምንታይ ከምዝደንጎየ እንድህሪ ዘየፍለጡዎም፣ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱሉ እዋን ጀሚሩ ን 9 ኣዋርህ ከምድላዮም ክሰርሑ ይፍቀዶም።ከም ስደተኛ ተቀቢሎሞም ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ውልቀ ሰባት ከም ስሎቪን ዜጋታት ማዕረ ከምድላዮም ክሰርሑ ይፍቀዶም።ኣህጉራዊ ዑቕባ ዘለዎም ውልቀ ሰባት፣ ልክእ እቲ ኣህጉራዊ ዑቕባ ምስተዋህቦም ቋንቋ ናይ ስሎቪን ብናጻ ክማሓሩ ይኽእሉ፣ ከምኡውን ከኣ ናይ ሰልዲን ማህበረሰባዊ ሓገዝ፣ ናይ ቆልዑ ዝዋሃብ ናይ ሰልዲ ሓገዝ፣ ማህበረሰባዊ ሓገዝ፣ ሕዝባዊ ኣገልግሎትን ናይ ምውህሓድ ንጥፈታት መሰል ይህልዎም።ከምኡውን ከኣ ነቲ መረጋገጺ ክእለቶም፣ ዲፕሎማን ሰርቲፊኬት ወይ ከኣ ዘለዎም ናይ ስራሕ ተሞክሮ ተቀባልነት ንክረክብ ናብ ENIC- NARIC ከይዶም ከግብሩዎ ይኽእሉ።


 
 

ብዛዕባ Skills2Work

ፕሮጀክት Skills2Work፡ ቅልጡፍ መስርሕ ምርግጋጽ ሓቅነት ናይ ወግዓውያንን ዘይወግዓውያንን ሞያታትን ሞያዊ ብቕዓታትን ብምሕያል፡ ውህደት ዕዳጋ ዕዮ ናይ ዕቑባት ስደተኛታት* ኣብ ምስሳን ዝዓለመ እዩ።እዚ ድማ ኣብ መዳይ ዓቕሚ ምቕባል ሰራሕተኛታት ኰነ ዓቕሚ ናይ ዝምልከቶም ትካላት መዚ፡ ኣካላት መንጎኝነትን ኣስራሕትን ደገፍ ብምግባር፡ ከምኡ’ውን ንመስርሕ ምርካብ ተቐባልነት ናይ ሞያታትን ሞያውያን ወረቓቕትን ናይ ስደተኛታት ብዝምልከት ቀረብ ሓበሬታ ብምውሓስ ዝትግበር እዩ።  

*ትርጉሙ ንጹርን ዘይተሓላለኸን ምእንቲ ክኸውን፡ “ዕቑባት ስደተኛታት” ዝብል ኣምር፡ ኣብ’ዛ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ እዚኣ፡ ንኹላቶም ተጠቀምቲ መሰል ዓለም-ለኻዊ ውሕስነት (እንተላይ ነቶም ብመሰረት ስምምዕ ጀኔቫ ውሕስነት ዝረኸቡ ሰባትን ዕቑባት ቤተ-ሰቦምን) ዝምልከት እዩ

ተወሳኺ ሓበሬታ ኣንብቡ

ርዕይቶ መቕረቢ ፎርም


ነዛ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ምምሕያሻ ምእንቲ ክሕግዘና፡ ብኽብረትኩም ግዜ ወሲድኩም ነዚ ሕትት ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ምልኡልና

IOM ኩኪስ ስለዝጥቀም፡ ነዚ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ እዚ ክትጥቀሙሉ እንከለኹም ንውዕል ምጥቃም ናይ’ዞም ኩኪስ እዚኣቶም ብዝምልከት ትሰማምዑ ኣለኹም ማለት እዩ። ዕጸዉ