ዩናይትድ ኪንግደም

ዩናይትድ ኪንግደም ኣርባዕቲኤን ሃገራት ሓዊሱ: ኢንግሊዝ፣ ስኮትላንድ፣ ዌልስ፣ ከምኡ ደቡባዊ አየርላንድ። እቶም ዳሕረዎት ሰለስተ ምምሕዳር ኣጣይሾም እዮም፣ ዝተፈላለየ ሓይሊ ድማ ኣለወን ብመሰረት ዋና ከተማታተን Edinburgh, Cardiff, ን Belfast ን ብቐደም ሰዓበን።

ብዛዕባ ዩናይትድ ኪንግደም ሓፈሻዊ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ኣብ ጥቓ እቲ ታሕቲ ገፅ ዘለዉ ሊንክታት ረኣዩ። ብዛዕባ ሕድሕድ ኣርባዕቲአን ሃገራት ሓበሬታ እንተድኣደሊኹም፣ በጃኹም ትሕት ክብል ዝርከብ ካርታ ተጠቐሙ።

ኩሎም ናይ ስደተኛታት ጉዳይ ናይ ገዛ ቢሮ ሓላፍነት እዩ። ናይ መዕቆቢ ሕቶ ዘለዎም ሰባት ዝጥይቁ ም ናይ ዩኬ ቪሳ እዩ እዚድማ በ ኣርባዕቲኤን ሃገራት ኣብትሕቲ ሚኒስቴር ስደተኛታት ዝወደቃ ይሓውስ። ሐደ ገዜ ናይ ስደተኛነት ኩነታት እንድሕር ተነፂሩ ናይ ምትሕውዋስ ስራሕ ናይቶም ከባቢታዊ ምምሕዳር ይኸውን እዚ ድማ ዝግበር ሐላዋ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ። ኣብ ዌልስ፣ ስኮትላንድ፣ ከምኡ እውን ደቡባዊ አየርላንድ ናይ ምትሕውዋስ ስራሕቲ ዝካየድ ነቶም ስደተኛታትን መዕቆቢ ዝደልዩ ወገናት ንምሕጋዝ ዓሊሙ እዩ። ኩሎም ስደተኛታትን ኣብ እንግሊዝ ናይ ምስራሕ መሰሎም ሕልው ኮይኑ ናይ ሜይን ስትሪም ግልጋሎት እውን ክረኽቡ ይኽእሉ። መዕቆቢ ደለይቲ ወገናት ኣብ እንግሊዝ ናይ ምስራሕ መሰል የብሎምን ከምኡ ናይ ሜይን ስትሪም ግልጋሎት እውን ክረኽቡ ኣይኽእሉን ስለዚ ናይ ስራሕ ፋቃድ ክሓቱ ይኽእሉ ብፈላይ ድማ ዘለዎም ክእለት ብቀሊሉ ዘይርከብ እንድሕር ኮይኑ። መዕቆቢ ደለይቲ ወገናት ንከባቢ 12 ኣዋርሕ እንድሕር ተፀብዮም እንድሕር ዘይረኺቦም ናይ ሰራሕ ፍቃድ ምሕታት ይኽእሉ።


 
 
 

ብዛዕባ Skills2Work

ፕሮጀክት Skills2Work፡ ቅልጡፍ መስርሕ ምርግጋጽ ሓቅነት ናይ ወግዓውያንን ዘይወግዓውያንን ሞያታትን ሞያዊ ብቕዓታትን ብምሕያል፡ ውህደት ዕዳጋ ዕዮ ናይ ዕቑባት ስደተኛታት* ኣብ ምስሳን ዝዓለመ እዩ።እዚ ድማ ኣብ መዳይ ዓቕሚ ምቕባል ሰራሕተኛታት ኰነ ዓቕሚ ናይ ዝምልከቶም ትካላት መዚ፡ ኣካላት መንጎኝነትን ኣስራሕትን ደገፍ ብምግባር፡ ከምኡ’ውን ንመስርሕ ምርካብ ተቐባልነት ናይ ሞያታትን ሞያውያን ወረቓቕትን ናይ ስደተኛታት ብዝምልከት ቀረብ ሓበሬታ ብምውሓስ ዝትግበር እዩ።  

*ትርጉሙ ንጹርን ዘይተሓላለኸን ምእንቲ ክኸውን፡ “ዕቑባት ስደተኛታት” ዝብል ኣምር፡ ኣብ’ዛ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ እዚኣ፡ ንኹላቶም ተጠቀምቲ መሰል ዓለም-ለኻዊ ውሕስነት (እንተላይ ነቶም ብመሰረት ስምምዕ ጀኔቫ ውሕስነት ዝረኸቡ ሰባትን ዕቑባት ቤተ-ሰቦምን) ዝምልከት እዩ

ተወሳኺ ሓበሬታ ኣንብቡ

ርዕይቶ መቕረቢ ፎርም


ነዛ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ምምሕያሻ ምእንቲ ክሕግዘና፡ ብኽብረትኩም ግዜ ወሲድኩም ነዚ ሕትት ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ምልኡልና

IOM ኩኪስ ስለዝጥቀም፡ ነዚ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ እዚ ክትጥቀሙሉ እንከለኹም ንውዕል ምጥቃም ናይ’ዞም ኩኪስ እዚኣቶም ብዝምልከት ትሰማምዑ ኣለኹም ማለት እዩ። ዕጸዉ