መእተዊ

ኣብ እዚ ገፅ ብዛዕባ ና ኣይርላድ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ሓበሬታ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ናይ ከይዲታት፣ ኣተሓሳስባታት፣ ገደባት፣ ተምህርቲ፣ ስልጠናታትን ካልኦትን ሓበሬታታት ሓዊሱ።

ናይ ስደተኛ ጉዳይ ኣብ ኤርላንድ ብናይ ኣይሪሽ ኒዩተራላይዜሽንን ኢሚግሬሽንን ግልጋለሎት (INIS) ናይ ፍትሒ ክፍሊ ይካየድ። ካብ 31 ታሕሳስ 2016 ዓለምለኻዊ ናይ ሓለዋ Act ናይ 2015 ስርሑ ጀሚሩ እዚ ማለት፣ ኩሎም ናይ ዕቑባ ሕቶታት ወይ ግዜኣዊ ሓለዋታት ‘ንምፅናሕ ምግዳፍ’ ጥርዓናት ብሓደ ከይዲ ክጠናቐቑ ክግበር እዩ ማለት እዩ። ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ቢሮ (IPO) ከምዚ ናይ ዝመሰሉ ጥርዓናት ሓላፍነት ዝወሰድ ኣካል እዩ። ናይ ኤርላንድ ሕጊ ስደተኛታት ናይ ዕቁባ ሕቶኦም መልሲ ኣብ ዝፅበዩሉ እዋን ስራሕክቑፀሩ ኣይፈቅድን።  ዝኾነ መመልከቲ ናይ ዓለም ለኻዊ ሓለዋ፣ ናይ ስደተኛ ኩነታት፣ ግዜኣዊ ሓለዋ ወይ ኣብዚ ንምፅናሕ ሃገርካ ምግዳፍ እንተድኣ ተፈቒድዎ ማዕረ ከም ናይ ኣይሪሽ ዜጋታት ግልጋሎታትን ማህበረ ሰባዊ ሃለዋን ወይድማ ናይ ስራቕ ኣቕርቦት ይረክበብ።   ስደተኛታት ካብ ናይ ሓገዝ ናብራ ናብ ዓርስኻ ምኽኣል ንክዓብዩ ክሕግዞም ዝኽእልግልጋሎት ክረኽቡ የኽእሉ።  

ኣብ ለካቲት 2017፣ናይ ኣይርላንድ ፍትሒ ሚኒስተር ሓድሽ ናይ ምትሕበባረር ስትራቴጂ ካብ 2017 – 2020 ዝፀንሕ ኣዊጁ። እዚ ስትራቴጂ እዚ ካብ 2008 ጀሚሮም ኣብ ዘለዉ ሰነዳት ዝምዕል ዘሎ ፖሊሲ እዩ፣ አብ እቲ ግዘ ንሱ ኣየርላንድ ኣብ ዝተፈለየ ናይ ኢኮኖምያዊ ኩነታት ነይራድሕሪኡ ግን ዓብዪ ናይ ኢኮኖምያዊ ዕንወት ኣጋጢምዋ እዩ። እዚ ግዜኣዊ ስትራቴጂ ኣብ ስደተኛታት ምትሕብባር ትኹረት ሂቡ ዝሰርሕ እዩ። ቅድሚ ሕዚ ንፁር ዕላማ፣ ተለዓዓሊነትን ሓሳባትን ዘለዎ ፖሊሲ ዘይምንባሩ ንፁር ዝኾነ ኣብ ና ስደተኛታት ምትሕብባር ዝግበር ስራሕ ኣይነበረን ማለት እዩ። ንስደተኛታትን ዕቑባ ሓተቲትን ዕላማ ዝገበሩ ፕሮግራማት ብናይ ad-hoc ከይዲ ከም ናይ ድሌታት መማልኢ ኮይኖም ምልዓል ጀሚሮም እዮም። መንግስቲ ኣይሪሽ፣ስለዚ፣እዞም ድሌታትን ክፍተታትን እዚኦም ንምምላእ ኣብ NGOታትን ናይ ሲቪል ማሕበረሰባትን ፅግዕተኛ እዩ። ሓለፍቲ ብፍሉይ ንስደተኛታትን ኮርፖሬት ማሕበረ ሰባዊ ሓላፍነቶምን (CSR) ፖሊሲታትን ዕላማ ንምግባር ዝበለጸ ተለዓዓሊነት ክደልዩ ኣለዎም። ብዛዕባ ስደተኛታት ኣብ ስራሕ ምቑፃር ዘለዎ ጥቕሚ ግንዛበ ኣብ ምፍታር ዓብዪ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ ምኽንያቱ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ክእለታት ሒዞም እዮም ዝመጹ።

ናይ ስራሕ ዕዳጋ ምትሕብባር ፖሊሲ ኣብ ናይ ልሙድ ግልጋሎታትን ፖሊሲታትን ኣብ ውሽጢ እዮም። መብዛሕትኡ ግዘ ናይ እቲ ከባቢ/ሃገር ምኽሪ ቤት ናይ ከባቢያዊ ድሌታት ኣበብ ግምት ዘእተወ ናይ ምትሕብባር ፖሊሲ የማዕብል።

 

Über Skills2Work

Das Skills2Work Projekt befürwortet die frühzeitige Bewertung von formellen und informellen Fähigkeiten und Kompetenzen von Personen denen internationaler Schutz gewährt ist um deren Arbeitsmarktintegration zu fördern. Um das zu garantieren wird das Aufnahmesystem und die Kapazitäten der entsprechenden Behörden, Vermittler und Arbeitgeber unterstützt, und der Zugang zu Informationen und Dienste für die Anerkennung von Fähigkeiten und Qualifikationen von Personen denen internationaler Schutz gewährt ist gefördert.

ተወሳኺ ሓበሬታ ኣንብቡ

ርዕይቶ መቕረቢ ፎርም


Um uns zu helfen, die Website zu verbessern, nehmen Sie bitte eine Minute, um die Umfrage auszufüllen

IOM ኩኪስ ስለዝጥቀም፡ ነዚ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ እዚ ክትጥቀሙሉ እንከለኹም ንውዕል ምጥቃም ናይ’ዞም ኩኪስ እዚኣቶም ብዝምልከት ትሰማምዑ ኣለኹም ማለት እዩ። ዕጸዉ